ሕጊታት ልቓሕ (tigrinska)
Bibliotekens låneregler på tigrinska/tigrinja.
ኣብ ኵሎም ኣብ ከባቢ ዞባ ኡመዮ ዚርከቡ ኣብያተ-ንባብ፥ ማለት ኣብ ”Bjurholms”, ”Nordmalings”, ”Robertsfors”, ”Umeå”, ”Vindelns ከምኡ ውን ኣብ ፡Vännäs kommuner” ብዘይ ክፍሊት ገንዘብ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ
ንምልቃሕ መታን ክትክእል ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ የድለየካ’ዩ። እዚ ድማ ሓደ ዘገልግል ናይ መንነት-ወረቐት ኣርኢኻ ክተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ዋላ’ኳ መንነት-ወረቐት፡ መለለዪ-ቁጽሪ (ፐርሾ-ኑመር) ወይ ውን ፍሉጥ ኣድራሻ ዘይብልካ ምስ ትኸውን፥ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ክተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምኡ ኩነታት፡ እቲ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድኻ ንሰለሰተ ኣዋርሕ’ዩ ዘገልግል።
ቆልዑ ካብቲ 6 ዓመት ዝመልኡሉ ጊዜ ጀሚሮም ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ከውጽኡ ይኽእሉ እዮም። እቶም ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመ ዘሎዎም ቆልዑ፥ ናይ ወለዶም ምስምማዕ ኪህሉ የድሊ እዩ።
ነቲ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ምስ ኣውጻእካ፥ ነቲ ሕጊታት ቤተ-ንባብ ከም ተኽብር ተሰማሚዕካ ኣሎኻ ማለት’ዩ። እቲ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ፡ ኣብ ኵለን ኣብ ዞባ ኡመዮ ዚርከባ ህዛባዊ ኣብያተ-ንባብ ዘገልግል እዩ።
ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ምስ ዚህልወካ፥ ናይ ኮምፕዩተርን - ብጕጅለ ክትጥቀመሉ ትኽእል ክፍሊን ናይ ቆጸራ ጊዜ ክትሕዝ፥ ከምኡ ውን ናይ ዳታ-መዛግብቲ ክትጥቀም፥ ኤሌክትሮኒክ መጻሕፍቲን (e-böcker) ኤሌክትሮኒክ ፊልምታታን (e-film) ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።
ሓላፍነት ናይ ልቓሕ
ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ሓደ ግላዊ ክቡር ንብረት’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ንስኻ ንዅሉ በቲ ካርድ’ቲ ዚግበር ልቓሓት፥ ሓፍነት ዚወስድ ንስኻ ኢኻ። ንዅሎም’ቶም ዝተለቃሕካዮም መጻሕፍቲን ካልእ ነገራትን፥ ከይተበላሸዉ - ኣብታ ዕለቶም ክትመልሶም ሓላፍነት ዘሎካ፡ ንስኻ ኢኻ። እንተ ዘይኮይኑ ግን፡ እትኸፍሎ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ኣሎ።
እንተ ደኣ አታ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድኻ ኣጥፉእካያ፥ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ክተዕጽዋ ይግብኣካ። እዚ ድማ ናብቲ ቤተ-ንባብ ብምድዋል ወይ ውን ኣብቲ ናትና ኣድራሻ ኢንተርነት ”Minabibliotek.se” ኣቲኻ ኢኻ ትገብሮ። ገንዘብ ከፊልካ ሓደ ሓድሽ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ክተውጽእ ትኽእል ኢኻ።
ወለዲ ናቲ ደቆም ዝተለቅሕዎ መጻሕቲ ሓላፍነት ኣሎዎም።
እንተ ደኣ ናትካ ”ኤ-ፖስት” ሂብካና ዄንካ፡ እቲ ናይ ልቓሕ ጊዜ ኪውዳእ ከሎ ሓበሬታ ክንልእከልካ፥ እቲ ዕለት እንተ ሓሊፉ ድማ መዘኻኸሪ ክንልእከላ ንኽእል ኢና። ኣዚዝካዮ ዝጸናሕካ መጽሓፍ መጺኡልካ ከም ዘሎን - መጺእካ ንኽትወስዶን ክንሕብረካ ንኽእል ኢና። ሓበሬታ ብ”ኤስ.ኤም.ኤስ” (SMS) ውን ክንልእከልካ ንኽእል ኢና።
ናይ ዕድመ ደረታት
ፊልምታትን ናይ ፊልም-ጸወታን ንኽትልቃሕ 15 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ይግባእ። ንገለ-ገለ ፊልምታት ንኽትላቓሕ ውን 16 ወይ ውን 18 ዓመት ዝመላእካ ክተከውን ይግባእ’ዩ።
ምስጢራዊ-ኮድ (Pin-kod)
ምስቲ ካርድኻ ዝተሓሓዝ ኣርባዕተ ኣሃዝ ዘሎዎ ምስጢራዊ ኮድ ክትመርጽ ኢኻ። እዚ ምስጢራ-ኮድ እዚ፡ ኣብቲ ትልቅሓሉ ጊዜ ዘድልየካ ምስጢራዊ-ኮድ እዩ። ናብቲ ኣድራሻ ኢንተርነት ”Minabibliotek.se” ንኽትኣቱ ውን እዚ ምስጢራ-ኮድ የድልየካ’ዩ።
ኣብ ገለ ኣብየተ-ንባብ ውን፡ ”ገመድ-ኣልቦ ኢንተርነት”፡ ኮምፕዩተር ከምኡ ውን ናይ ጕጅል-ክፍሊ ንኽትጥቀም ንሱ የድልየካ እዩ።
ልቓሕ ከም ብሓድሽ ንምንዋሕ
ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት ”Minabibliotek.se” ኣቲኻ፥ ወይ ናብቲ ቤተ-ንባብ መጺእካ ወይ ቴሌፎን ደዊልካ፥ ነቲ ተለቂሕካዮ ዝጸናሕካ ነገር ከም ብሓዽሽ ደጊምካ ከም ትልቅሖ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እንተ ደኣ ነቲ ምንዋሕ-ልቓሕ ብድሕሪ’ቲ ናይ ልቓሕ ጊዜ ምሕላፉ ጌርካዮ ዄንካ፥ ናይ ምድንጓይ ትኸፍሎ ገንዘብ ኣሎ።
ንሓደ ነገር ክሳብ ሓሙሽተ ጊዜ ዚኸውን ናይ ልቓሕ ምንዋሕ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ን”ፊልምታት” ከምኡ ውን ን”ሙዚቃታት” ግን፥ ናይ ሓደ ጊዜ ምንዋሕ’ዩ ዚፍቀድ።
ብዙሓት ተለቃሕቲ ዝጽበይዎ ኣብ መስርዕ ዚርከብ ነገር ወይ ነቲ ንናይ ሓጺር ጊዜ ጥራይ ክትልቅሖ ትኽእል ነገራት፥ ደጊምካ ክትልቅሖ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ዝተለቃሕካዮ ምምላስ
ነቲ ዝተለቃሕካዮ ነገር ኣብ ዝኾነ ኣብ ዞባ ኡመዮ ዚርከብ ቤተ-ንባብ ኬድካ ክትመልሶ ትኽእል ኢኻ።
ምሕዛእ
ንሓደ ሰብ ተሊቅሕዎ ዘሎ ወይ ኣብ ካልእ ቤተ-ንባብ ናይ ዞባ ኡመዮ ንዘሎ መጽሓፍ፥ ንኺሕዝኣልካ ክተመዝግብ ትኽእል ኢኻ። ካብየናይ ቤተ-ንባብ ኬድካ ክተምጽኦ ከም ትደሊ ድማ ንስኻ ኢኻ ትመርጽ።
ክፍሊታትን ካልእ ወጻኢታትን
ኣብያተ-ንባብ ናይቶም ደንጒኻ ዝመልስካዮም መጻሕፍቲን ወይ ካልኦት ልቕሓትን ገንዘብ የኽፍል እዩ።
ናይ ምድንጓይ ክፍሊት ክትከፍል ትጅምር፡ ካብታ 18 ዓመት ዝመላእካላ ዕለት እዩ። ናይቲ ደንጒኻ ዝመለስካዮ መጽሓፍ፥ ኣብቲ ትመልሰሉ ጊዜ እቲ ናይ ምድጓይ ገንዘብ ምስ ዚኽፈል ዝበለጸ ይኸውን። እንተ ዘይከፍልካዮ ግን፥ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ኪቕጽል’ዩ።
ንናይ ቆልዑን መንእሰያትን ዝተገብረ ናይ ልቓሕ መጻሕፍቲን፥ ናይ ዘረባ-መጻሕፍቲን፡ “ቡከን ኮመር ሎን” ወይ ብዓዳሊ-ደብዳበታት ዚግበር ልቓሕ ከምኡ ውን ንናይ ልቓሕ ኣውቶቡስ ቤተ-ንባብ ዚኽፈል ናይ ምድንጓይ ክፍሊት የልቦን።
ናይ ምድንጓይ ክፍሊት ንነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ 3 ክሮኖር ኣብ መዓልቲ እዩ። ነታ ዝተለቃሕካያ፡ ኣብታ ጽባሕ ናይታ ትወድቀላ መዓልቲ ምስ ትመልሳ፥ ናይ ምድንጓይ ክፍሊት ኣይትኸፍልን ኢኻ።
እቲ ነንፍሲ ወከፍ ልቓሕ እትኸፍሎ ዝበዝሐ ናይ ክፍሊት ገንዘብ 200 ክሮኖር እዩ።
እቲ ዝበዝሐ ኣብ ሓደ ናይ ምምላስ ኣጋጣሚ እትኸፍሎ ገንዘብ 200 ክሮኖር እዩ።
እቲ ድምር ናይቲ እትኸፍሎ ክፍሊት 50 ክሮኖር ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን፥ ክሳብ’ቲ ነቲ ገንዘብ ትኸፍሎ እታ ናትካ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድኻ ክትዕጾ እያ። ነቲ ገንዘብ ጸኒሕካ ብመኽፈሊ-ወረቐት ንኽትከፍሎ ውን ኪግበር ይኽእል’ዩ።
እቲ ዝተለቃሕካዮ ነገር ምስ ዘይትመልሶ፥ ሓደ ጸብጻብ መኽፈሊ-ዕዳ ከም ዚልኣኸልካ ይግበር።
መኽፈሊ ዕዳ ናይቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዘይመልኡ መንእሰያት ናብቶም ወለዲ እዩ ዚልኣኽ።
ዘጥፋእካዮ ወይ ዘበላሸኻዮ ነገር ገምጋም ተጌሩ ካሕሳ ከም ትኸፍል ይግበር። ኣብ ልዕሊኡ ውን ንነፍሲ ወከፍ ዚልኣኸልካ ናይ መኽፈሊ-ወረቕት፥ ምምሕዳራዊ ክፍሊት 50 ክሮኖር ይውሰኾ እዩ።
ዋላ’ኳ እቲ ዝተለቃሕካዮ ነገር ብድሕሪ’ቲ መኽፈሊ-ወረቐት ምስዳዱ እንተ ተመልሰ፥ ነቲ ናይ ምምሕዳራዊ ክፍሊትን ነቲ ናይ ምድንጓይ ክፍሊትን ግን ኪኽፈል ይግባእ።
ንሓደ ዝጠፍአ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ንምትካእ፥ ንዓበይቲ 20 ክሮኖር ንቖልዑ ድማ 10 ክሮኖር የኽፍል’ዩ።
ካብ ርሑቕ ናይ ሽወደን ቦታታት ከምኡ ውን ካብተን ካልኦት “ኖርዲክ” ሃገራት ንዚግበር ልቓሕ ብነጻ እዩ። እቲ ምልቃሕ ካብ “ኖርደን” ወጻኢ ምስ ዚኸውን ግን፥ ንነፍሲ ወከፍ ነገር 200 ክሮኖር የኽፍል እዩ።
ሓበሬታ ግላዊ-መንነተካ
ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ግላዊ-መንነትካ፡ ብመሰረት ሕጊ ሓለዋ መዛግብቲ ”Dataskyddsförordningen” (GDPR) ይግበር። ኣብዚ ኣድራሻ ኢንተርነት minabibliotek.se/personuppgifter ኣቲኻ፥ ናትካ ሓበሬታ ግላዊ-መንነት ብኸመይ ከም ንሕዞ ብዝበለጸ ኣንብብ።